ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ?

From Wikipedia

ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ? እ'ዚ ዓምዲ'ዚ ካብ'ዚ እዋን'ዚ ጀሚሩ ብቐጻሊ ኣብ ኣዘራርባናን ኣጸሓሕፋናን ንእንገብሮ ገለ ገለ ጌጋታት ንምእራም ምስ ነበብትና ናይ ሓባር ክትዕ ከነካይደሉ ከፊትናዮ ኣለና።

ነቢቡ ዶ ኣንቢቡ

ኣንቢቡ = ንኻልእ ሰብ ከም ዚነብብ ገይሩ

ኣንቢዑ = ንኻልእ ሰብ ከም ዚነብዕ ገይሩ

ነቢቡ / ነቢዑ (ባዕሉ) መዝገበ ቃላት መሪጌታ ግርማጽዮን፡ ገጽ 392

ኣንበበ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ተክአ ተስፋይ፡ ገጽ 543

ነብበ፡ ይነብብ፡ ይንብብ፤ መዝገበ ቃላት ሐዲስ ኪዳነ ወልድ ክፍለ፡ ገጽ 618

አንበበ = ለበሃማን ያነብቦሙ = ንዓባሳት ከምዜንብቡ ይገብሮም